ብድሐን ፡ ምጹ።

ብዛዓባ ፡ መራኺቢ ( ነትዝቬርክ )

አብ ፡ ድረስደን ፡ ሎብታው ፡ አብ 2015/16 ክልተ ፡ ሐደስቲ ፡ መደበር ፡
ስደተኛታት ፡ ክኸፈት ፡ እዩ። እዚ ፡ መራኸቢ ፡ እዚ ፡ “እንኳዕ ፡ ብደሐን ፡
መጻእኩም ፡ ናብ ሎብታው” ፡ ነዞም ፡ ሰደተኛታት ፡ ክትሐባበሮም ፡ ይደሊ ፡ እዩ
፡ አብዚ ፡ ከተማና ፡ ንኽመጹ። በዚ ፡ በምትሕብባር ፡ ካአ ፡ ሐደ ፡ መሰጋገሪ ፡
ድልድል ( ከኣ ቢንቶ ) ኣብ ፡ መንጎ ፡ ነበርቲ ፡ እዚ ፡ ከተማን ፡ ሐደስቲ
መጻእቲን ፡ ክንተክል ፡ ወይም ፡ ከኣ ፡ ከነቃራርብ። እዚ ፡ መራኸቢ ፡ እዚ ፡
ብግዱሳት ፡ ነበርቲ ፡ እዚ ፡ ከተማን ፣ ቤተ ክርስትያናት ፣ ማሕበራት ፣
ዝተፋላሊያ ፡ ወደባት ፡ ዝቆመ ፡ እዩ።
እንተደኣ ፡ ምስዚ ፡ መራኸቢ ፡ “ብድሐን ፡ ምጹ ፡ ናብ ፡ ሎብታው” ፡
ክትካፈሉ ፡ እንተ ፡ ደሊኹም ፡ በዚ ፡ ኢሜይል asyl@loebtau.org ጌርኩም ፡
ጸሐፉ ፡ ወይ ፡ ከኣ ፡ ኣብቲ ፡ ዝቕጽል ፡ ዘሎ ፡ ኣኸባና ፡ ምጹ።
ይቕሬታ ፡ ብኹሉ ፡ ቋንቋ ፡ ከነዳሎ ፡ ዓቕምና ፡ ድሩት ፡ እዩ። ስለዚ ፡ በዚ
፡ ኣብ ፡ ላዕሊ ፡ ዘሎ ፡ ጎጉል ፡ ተርጔሚ ፡ ተጠቐሙ።
ብድሐን ፡ ምጹ።